1 እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ “እዝ ነገር ከምዙይ ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።
ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥