3 ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤
ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።
እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ።
ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።
ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም።
ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦
“ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ፥ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት ካብኣቶም ሓደ፥ ስለ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ።”
ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ።
ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ።
ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
“ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሕያዋይን ብሕጊ ዝፀንዐን፥ ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።
ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና።
ሽዑ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም፥ “ንሕና ማእዲ ኽንሰርዕ ክንብል፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስባኽ ክንሓድግ ኣይግብአናን እዩ።
እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ።
ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።
እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ።
ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
ካባኻትኩም ለባማትን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ምረፁ እሞ ኣሕሉቕኩም ክገብሮም እየ።”
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።