3 ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ?
ንስኻ ግና ‘እግዚኣብሄር እንታይ ይፈልጥ? ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮይኑዶ ኽፈርድ ይኽእል እዩ?’
ሰብ ብታህዋኽ እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ እየ ኢሉ ምስተመባፅዐ፥ ድሕሪ መብፅዓ እንተ ተናስሐ፥ እዙይ መፃወድያ እዩ።
ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ።
እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን።
ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ።
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ሓደረ። ንሱ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ነበረ።
እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ።
ድሕሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ፥ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ሓደረ። ሽዑ ኢየሱስ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ።
ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።”
ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኹም፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ይፅበዮ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ከይኾነኩም፥ መብፅዓኹም ቀልጢፍኩም ፈፅሙ።
እምበኣርከስ ንእግዚኣብሄር ተገዝእዎ፤ ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።