7 ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
ንሱ ድማ “ሓለቓን ፈራዲን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ዝሸመካ መን እዩ? ንስኻ ኸምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?” በሎ። ሽዑ ሙሴ “እቲ ዝገበርክዎ ብርግፅ ተፈሊጡ እዩ” ኢሉ ፈርሐ።
ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ።
“በየናይ ስልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ?” በልዎ።
ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ፥ ናብኡ ኣምፂኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፥
ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።
እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።
ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥
ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።