4 እንተ ኾነ፥ ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ፥ ብዙሓት ኣመኑ። ብዝሒ እቶም ዝኣመኑ ሰብኡት ከዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።
ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”
ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም።
ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ።