9 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ።
እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ።
ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ።
“ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?
ንሳቶም ከዓ፥ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም፥ ዘቕፅዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም፥ መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም።