Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 3:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 3:7
9 Referencias Cruzadas  

ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።


ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።


ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ።


ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።


ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።


ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።


“ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?


ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና፥ ንሓደ ሕሙም ሰብ ብዛዕባ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገርን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተ ኾይኑ፥


ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos