Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 3:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 3:6
22 Referencias Cruzadas  

ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ፥ ብሩር፥ ወይ ነሃስ፥ ኣይትሓዙ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።


እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።


ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥


ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ።


እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።


ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።


“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።


እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።”


ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።


ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።


ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ።


እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።


ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።


ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተስአ።


ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን።


ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።


ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።


ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።


ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?


ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos