4 ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ።
ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ።
ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።
ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።
ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤
ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን፥ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።
እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ፀሎት፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።
እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።
ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?
ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም።
ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።