Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 3:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 3:2
9 Referencias Cruzadas  

ኵሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርቢዩ ዝነብር፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ።


ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።


እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ።


‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።


ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤


ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ።


ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።


እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos