16 ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።
ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።
ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
ኣነ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ?
እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥
ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።
ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።
ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።
ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥
ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።