Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 3:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 3:12
15 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።


ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።


እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን።


“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።


“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።


እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።


ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።


እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ።


ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ።


ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።


ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos