11 እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።
ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ።
ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ፥ ኬድኩም ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።
እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ፥ ምስኡ ክኸውን ንኢየሱስ ለመኖ። ኢየሱስ ግና
ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።
እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ።
ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?
ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም።
ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ።
ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ብኢድ ሃዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተገብረ፤ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።