3 ብፅባሒቱ ኣብ ሲዶና በፃሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህርሀሉ፤ ናብ ፈተውቱ ኽበፅሕ እሞ፥ ካብኣቶም ሓገዝ ኽረክብውን ፈቐደሉ።
ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥
“ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኽነብር እዩ፤ መዕረፍ መራኽብውን ክኸውን እዩ፤ ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።”
ኣቲ እተጨነቕኪ ድንግል ሲዶና፥ ካብ ደጊም ደስ ኣይበልኪ፤ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፤ እንተ ኼድኪ ኣብኡ እውን ኣይትዓርፊን በለ።
ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ።
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።
ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ።
ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።
ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፥ ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን፥ ነቲ ኣብ ሰራዊት ቄሳር ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ዩልዮስ ዝስሙ ኣመሓላለፍዎም።
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን፤ እኳ ደኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ፥ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ።
ኣብ ሮሜ ምስ ኣተና ኸዓ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቶም እሱራት፥ ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንጳውሎስ ግና፥ ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ።
ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።