8 እግዚኣብሄር፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትሪእዎ ኣለኹም?
ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።
ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።”
ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።
ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።
እንተ ኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን፥ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ፥ ጳውሎስ ግና ‘ህያው እዩ’ ዝብሎ ኢየሱስን፥ ይካትዑ ነበሩ።
ነቶም ህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፥ ብኢየሱስውን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተናደዱ።
ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።