7 እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤
ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ።
እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ።
ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዓፀድ ቤት ኣምላኽና እትቖሙ፥
ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።
ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።
ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ።
“ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ።
ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።
ገፅኩም ክንርእን፥ ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፥ ለይትን መዓልትን ተጊህና ንፅሊ ኣለና።
እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።