Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 26:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ፥ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ኣምልኾትና ኣፀቢቖም ዝጥንቀቑ፥ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 26:5
7 Referencias Cruzadas  

ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።


“ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ።


ከምዙይ ከም ዝገበርኩ፥ ሊቀ ካህናትን ኵላቶም ሽማግለታትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኽቕፅዑ፥ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእለኒ፥ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን፥ ካብኣቶም መልእኽቲ ተቐቢለ ነይረ እየ።


ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።


ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።


እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos