Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 26:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 “እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘሕለፍክዎ ህይወትውን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 26:4
5 Referencias Cruzadas  

“ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ።


ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።


ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።


ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤


ንስኻ ግና ትምህርተይ፥ ኣነባብራይ፥ ዕላማይ፥ እምነተይ፥ ትዕግስተይ፥ ፍቕረይ፥ ፅንዓተይ ተኸተልካ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos