3 ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
ነተን ውዕሊ ዝተፅሓፈን፥ ነታ ሕትምትን ነታ ቕልዕትን ወሲደ፥
ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።
እቲ ሹም ክዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸዓ፥ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦ “ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየሞ፥ ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ።
እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።
“ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ።
እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።
እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።
ንሳቶም “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ‘ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊ እውን ክልውጦ እዩ’ ኽብል እንተሎ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ መሰኻኽር ኣቖሙ።
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
“ኣብ ዙፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፥ ካብቲ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዘሎ ሕጊ፥ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፍ።