Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 26:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 26:2
10 Referencias Cruzadas  

ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤ ኣይሓፍርንውን።


ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ።


ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።


ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።


እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።


ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦


“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።


እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።


ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።


እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos