16 ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ።
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ።
ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፥ ናይቲ ቓል ኣገልገልትን፥ ናባና ዝተሓላለፈ፥
ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም፥ እግዚኣብሄር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ ነገሮም።
ሽዑ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር?’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተሲእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ፥ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም’ በለኒ።
በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።
ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ።
ንሕና ግና ኣብ ፀሎትን፥ ኣብ ምምሃር ቃሉን፥ ክንተግህ ኢና” በልዎም።
ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።
ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።
እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።
ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።
እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ።
እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።
በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።