4 ኣብኣ ደሊና ደቀ መዛሙርት ረኸብና፤ ምስኣቶም ከዓ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና፤ ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊፁሎም፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ” በልዎ።
ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ።
ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።
ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና።
ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና።
ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ።
ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።
ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤