3 ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ፥ ንኢድ ፀጋም ሓዲግናያ፥ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና፤ ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና።
ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ኣዋልድ ጢሮስ ገፅ በረኸት ሒዘን ክሰግዳሉ እየን፤ ሃብታማት ህዝቢ ምድሪ ኣብ ቅድሜኺ ኽምህለሉ እዮም።
“ንዝፈልጣኒ ንረዓብን ንባቢሎንን እዝክረን ኣለኹ፤ እንሆ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፥ እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።”
ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።
ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን።
እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ።
እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበፅሐ መከራ፥ ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ክሳዕ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንፆኪያን ከዱ፤ ነቲ ቓል ድማ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንሓደኳ ኣይነግሩን ነበሩ።
ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ።
ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ መንጎኣቶም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ፥ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።
ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ፥ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣበረታትዐን።
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና።
ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና፥ ናብኣ ደየብና፤ ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐፀልና።
ንሕና ግና፥ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና፥ ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በፃሕና፤ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና፥ ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና።
ካብኣ ተልዒልና ኸዓ፥ ንፋስ ኣብ ቕድሜና ስለ ዝነበረ፥ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ሓለፍና።
ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።
ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።