7 ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?
እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ።
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።
ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።
ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።
እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ።
“ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ።
ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና?
ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።