3 ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ።
እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን።
ኦ ጐይታ፥ ኣብታ ኸተማ ግፍዕን ባእስን እርኢ ኣለኹ እሞ፥ ኣስጥሞም፤ ንመላሕሶምውን ቍረፅ።
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።
ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ።
ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦
ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ።
ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ።
ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።
ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ።
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።
ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።