16 እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦
ናብ ኢዩኤል ወዲ ባቱኤል ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
በታ መዓልቲ እቲኣ በረድን ኣስሓይታን እምበር ብርሃን ኣይኸውንን።
ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ።
‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።