2 “ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።
እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።
ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።
እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ።
‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ።
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።
እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈፀምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ስለ ዝኣመንኩም?
ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ።