1 ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።
ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ።
ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን።
እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።
ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።
ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።
ናብኡ ምስ መፁ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤
እዙይ ዝበሉ ኸዓ፥ ቅድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን፥ ምስኡ ኣብ ከተማ ሪኦምዎ ነበሩ እሞ፥ ጳውሎስ ናብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲሉዎም እዩ።
እወ፥ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ፤ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ እየ” ኸም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ።
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?
ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።
ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ።
ኣሕዋተይ፥ በቲ ሓደ ኽትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ፅሑፍ ኣይትሕለፍ” ዝብሎ፥ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንባዕለይን ንኣጵሎስን፥ ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ።
ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥