Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 15:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 15:3
27 Referencias Cruzadas  

እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”


በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦


ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።


ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።


ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።


ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።


ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።


ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ።


ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን።


ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎም።


እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ።


ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።


እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና።


እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሰለስተ መሕደሪ” እትብሃል ቦታን መፂኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ የመናውን ተፀናንዐ።


እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም።


ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ፥ ክሪአኩም በኣኻትኩም ክሓልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ፥ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ።


ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።


ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።


በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።


ንዜናስ ፈላጢ ሕግን ንኣጵሎስን፥ ኣብ መገሻኦም ዝኾነ ነገር ከይጐድሎም ብዝከኣለካ ሓግዞም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos