3 ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ።
እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።
ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ድማ፥ ብፆምን ብፀሎትን፥ ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቘብዎም።
ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ።
ጳውሎስ ግና ንሲላስ መረፀ፤ እቶም ኣሕዋት ንፀጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕፀንዎ ድማ ኻብኡ ኸደ።
ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።
ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ ዝተውሃበካ ውህብቶ፥ ሸለል ኣይትበሎ።
ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።
ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።
እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።
እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።