Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 10:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 10:10
13 Referencias Cruzadas  

መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ።


ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።


ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።


ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤


ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤


ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።


“ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽፅሊ እንተለኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ፥ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል፥ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መፀ።


“ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ እናፀለኹ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ።


ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios