6 ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ “ጐይታ፥ ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ፥ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”
ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ።
ኢየሱስ ከዓ “እንታይ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብፀጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ” በለቶ።
ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ፈሪሳውያን፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ እያ እትመፅእ?” ኢሎም ጠየቕዎ እሞ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብምፅብባይ ኣይትመፅእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያውን ኣይብልዋን። መንግስቲ እግዚኣብሄርስ፥ ኣብ ማእኸልኩም እኒሃ” ኢሉ መለሰሎም።
ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።
ኣብታ መንግስተይ፥ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፥ ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ፥ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ኣነ መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ” በሎም።
ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ።