3 ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም።
ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
“ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤
ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ፥ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ “ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!” በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።
ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለፀሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም።
ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።
ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።
ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ።
መዓልቲ ምስተቛፀሩ ድማ፥ ብዙሓት ኮይኖም ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ገዛ መፁ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት፥ ካብ ሕጊ ሙሴን መፃሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናረድአ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናመስከረ ገለፀሎም።
እንተይተኸልከለ ኸዓ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ብብዙሕ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ይምህር ነበረ።
ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
“ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን።
እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።