16 “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ቃል መፅሓፍ፥ ክፍፀም ይግባእ እዩ።
“መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤ ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።
እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ።
እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥
ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ መፀ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መፁ።
እቶም ‘ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ’ ዝብሉ መፃሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ክፍፀሙ እዮም?” በሎ።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።
ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ።
ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ፥ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ።
እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ።
ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር፦ ‘ገዛኡ ትዕኖ፤ ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ’ ከምኡውን ‘ንሽመቱ ካልእ ይውሰዳ’ ዝብል፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።
እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያእቆብ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና ስምዑኒ፦
ብዙሕ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ጴጥሮስ ተሲኡ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።
ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።
“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።”
ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም።
ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።
ጳውሎስ፥ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ፥ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም፥ ፅቡቕ ገበረ፦
ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥
እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ።
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።
ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ።