11 “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።
“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።
ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ብብዙሕ ሓይልን ክብርን ብደመና ኽመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።
ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።
ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።
ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።
ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?
ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?
ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።
ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም።
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።