Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 1:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 1:10
12 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ።


ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።


ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።


ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።


ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።


ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።


ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት።


ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ።


ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥


ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።


ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos