5 ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም፤ በሎምውን፦ ኣነ ሰይፊ ናብ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክኾኖም እንተ መረፅዎ፥
እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ።
ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።
እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ንፅባሒቱ ኻብኣ ወፂእና፥ ኣብ ቂሳርያ በፃሕና፤ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና፥ ኣብኣ ቐነና።
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።
ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።
እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።
ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም።
እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።
እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።
ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።
ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም።