21 ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር።
ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።
ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ።
ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።
ኣብ ኒቆጵልዮን ክኸርም ወሲነ ኣለኹ እሞ፥ ንኣርጢሞን ወይ ንቲኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፥ ዝገበርካ ጌርካ ናባይ ምፃእ።
ደቂ እታ ሕርይቲ ሓፍትኺ፥ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።
ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።