Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 4:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 4:16
16 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።


ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።


እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።


“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።”


ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ደው እንተየበልካ፥ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ፥ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕፃዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ፥ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም።


ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።


ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።


ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦


እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።


እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።


ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።


እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።


ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።


ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ።


ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos