13 ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ።
እጀ ጠባብካ ኽወስድ ንዝቃለሰካ፥ ነፀላኻውን ሕደገሉ።
ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና።
ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ።
ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን።
ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ።