9 ግና ኸምቲ ናይ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ዕሽነት ንዅሉ ዝተገልፀ፥ ናይ እዚኣቶም ዕሽነትውን፥ ንዅሉ ኽግለፅ እዩ፤ ካብኡ ሓሊፎም ግና፥ ዘስልጥዎ የብሎምን።
ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
ሰብ ብፍቓዱ የመስግንካ፤ ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ።
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን።
ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።
እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ።
ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።