14 ንስኻ ግና፥ በቲ ዝተምሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ፅናዕ። ካብ መን ከም ዝተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ እሞ።
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ፥ ካብታ ኻልእ ኣብሊፁ ይሪኣ፤ እቲ ሓደ ግና፥ ንዅላተን መዓልቲታት ማዕረ ገይሩ ይሪአን። ነፍሲ ወከፍ፥ ልቡ ዝኣመነሉ ይግበር።
እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ።
እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።
ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ፀኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ጌርካ፥ ንባዕልኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ክተድሕን ኢኻ።
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።
ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።
ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ነፍሲ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍፀመልኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና።