Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 3:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 3:13
15 Referencias Cruzadas  

ሓይልን ጥበብን ናይ እግዚኣብሄር እየን፤ እቲ ዝስሕትን ዘስሕትን ናቱ እዮም።


ሓሙዅሽቲ ይበልዕ፤ ዝታለል ልቢ ኣስሒትዎ፥ “እዝ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሰትዶ ኣይኮነን” ኣይብልን፤ ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ።


ንሱ ኸዓ፥ “አረ ኻብዙይ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።


ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና።


በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ገሊኣቶም እምነቶም ክሒዶም፥ ንመታለልቲ መናፍስትን፥ ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፥ መንፈስ ብገሃድ ይነግር ኣሎ።


ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።


ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።


በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።


ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።


እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።


ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።


ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos