10 ንስኻ ግና ትምህርተይ፥ ኣነባብራይ፥ ዕላማይ፥ እምነተይ፥ ትዕግስተይ፥ ፍቕረይ፥ ፅንዓተይ ተኸተልካ።
ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
ናብኡ ምስ መፁ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤
“እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘሕለፍክዎ ህይወትውን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።
ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።
ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ፥ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ “እወ፥ እወ” ኽብል ፀኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም፥ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ?
እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።
ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ።
ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።
እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።
ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።
እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።
እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።