Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 2:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 2:5
14 Referencias Cruzadas  

ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።


ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።


ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።


ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።


ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤


ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።


እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።


እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።


ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።


ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።


እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦


ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos