3 ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።
እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ።
ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።
እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ?
ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ።
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።
ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥
እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።
ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።
ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።
ስደተይ፥ መከራይ፥ ኵሉ እቲ ኣብ ኣንፆኪያን ኢቆንያንን ልስጥራንን ዝበፅሐኒሞ፥ ብትዕግስቲ ዝተቐበልክዎ ስደት ትፈልጥ ኢኻ፤ ጐይታ ግና፥ ካብዝ ዅሉ ኣድሓነኒ።
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።
ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን።
ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን።
ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።
ኣብርሃም ድማ ብትዕግስቲ ተፀብዩ፥ ነታ ተስፋ ረኸባ።
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
እዙይ ነቶም ትውልዲ ደቂ እስራኤል፥ ብፍላይ ነቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዅሎም፥ ምውጋእ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝገበሮ ጥራሕ እዩ።