25 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ።
ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም።
“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።
እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።
ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።
ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።
ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።
እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።
ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ፥ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን፥ ምስ ኵሉ ሰብ ድማ፥ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም።
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።
ሓደ፥ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ክገብር እንተ ረአዮ፥ ይፀልየሉ፤ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት እንተ ኾይኑ፥ እግዚኣብሄር ህይወት ክህቦ እዩ። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓጢኣት ኣሎ፤ “ይፀልየሉ” ዝብል ዘለኹ ብዛዕባ እዙይ ኣይኮነን።