22 ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።
መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ፅድቀይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ኣድምፅ፤ ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
ሜዳቝ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፥ ዒፍውን ካብ መፈንጠር ከም ዘምልጣ፥ ንርእስኻ ኣድሕን።
ንሱ ብኣደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መንገዲ ሓሊፉ፥ ናብታ ናብ ቤት ኣመንዝራ እትወስድ መንገዲ ኣምርሐ።
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።
ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።
ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ።
ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊፅኩም ተመነዩ።
ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።
ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም።
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ካብ ክፉእ ይርሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ይግበር፤ ንሰላም ይድለያን ይስዓባን።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።