Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 2:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ኣብ ዓብዪ ገዛ፥ ካብ ዕንፀይትን መሬትን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እምበር፥ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፤ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ክቡር ንዘይኮነ ይኸውን።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 2:20
15 Referencias Cruzadas  

እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዅላቶም ከዓ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ዝህብዎ ውህብቶ፥ በቕሓ ብሩርን ወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ውህብቶታትን ሓገዝዎም።


እቲ ናቡከደነፆር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን ከዓ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቦታኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመለስ፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይቀመጥ።”


ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።


ቤት። እቶም ከም ፅሩይ ወርቂ ዝኸበሩ ደቂ ፅዮንከ፥ ከመይ ኢሎም ከምቲ ሰራሒ መሬት፥ ዝሰርሖ ኣቑሑ ተቘፀሩ።


ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ።


ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።


ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?


ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።


ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።


ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።


እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።


ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos