18 ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።
ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤
ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።
እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ፥ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፥ ሱር ስለ ዘይብሎም፥ ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም።
ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።”
እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።
ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተስአ ኻብ ተሰበኸ፥ ከመይ ኢሎም ደኣ ኻባኻትኩም፥ ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ?
እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።
ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።
ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።
ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።
ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።
ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤ ‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥
ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።